Gxawie zemene tnsae_4semun
- 1. ተገምሰስኩ ድቃስውን ወሰደኒ ።
እግዚኣብሄር ይድግፈኒ ስለ ዘሎ ከኣ ተንሣእኩ
ካብቶም ብዅሉ ወገን ዝኸቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርህን እየ።
ምስባክ መዝ 3:5
አንሰ ሰከብኩ ወኖምኩ ።
ወተንሣእኩ እስመ እግዚኣብሔር አንሥአኒ ።
ኢይፈርህ እምኣእላፍ አሕዛብ ።
ምንባባት
ቆላ 3፡1-ፍ
ቆላ 3፡1 “ ደጊም ምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሢእኩም ኢኹም እሞ ቀልብኹም ኣብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት
ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ግበሩ ።”
1 ጴጥ 1፡15-ፍ
1 ጴጥ 1፡18-19 “ ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዘይብሉ ገንሸል ማለት ብኽቡር ደም ክርስቶስ ኢኹም
ዝደሓንኩም እምበር ብጠፋኢ ነገር ብብሩር ወይ ብወርቂ ኸም ዘይኮነ ትፈልጡ ኢኹም ።”
ግብ 11:1-19
ግብ 11:18 “ ‘ እምበኣርከስ ኣምላኽ ነሕዛብ ድማ ንሕይወት ዚኸውን ንስሓ ሂብዎም ’ እናበሉ ኸኣ
ንኣምላኽ ኣመስገኑ ።”
ሉቃ 24:33-45
ሉቃ 24:34 “ ጐይታ ብሓቂ ተንሢኡ እዩ ! ”
ቅዳሴ
ካብ መጽሓፈ ግጻዌ - ዘመነ ትንሣኤ /4ይ ሰንበት/